በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
መሠረተ እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
• ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፦ ሓንቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን እያ፡-
• ‘ኤርትራዊት’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ኣብ ሃገረ ኤርትራ እትርከብ ብምዃና፣
• ‘ኦርቶዶክስ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ቅኑዕ እምነት ስለዝኃዘት፣
• ‘ተዋሕዶ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይን ማለት ፍጹም ኣምላኽ ፍጽም ሰብን ከም ዝኾነ ስለ እትኣምንን ከምኡ ኢላ ድማ ስለ እትምህርን እተእምንን እዩ።
• መሠረት ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 81 መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
• ብናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ትኣምን። እግዚአብሔር ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስተ፣ ብመለኮት ብፍቓድ ብህልውና ሓደ እዩ ኢላ ትኣምን። (ዘዳ. 6፥4) ስም ሠለስትነቱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ማቴ. 28፥19-20)
• ካብዞም ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ደቂ ሰብ ንምድኃን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፣ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ፡ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ሕገ ወንጌል መሃረ፡ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ተሰቕለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ተንሥአ፣ ንሰማያት ዓረገ፣ ኣብ ሕያዋንን ሙታንን ኪፈርድ ንካልኣይ ጊዜ ኪመጽእ እዩ” ኢላ ትኣምንን ተእምንን።
• በታ ጸጋ ውልድነት ተውህብን፣ ኃጢኣት ዝሥረየላን ሓንቲ ጥምቀት ትኣምን። (ዮሓ. 3፥5-8፣ ግብ.ሓዋ. 2፥38)
• በቲ ሕይወተ ሥጋን ነፍስን ዝህብን ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕን ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔር ትኣምን። (ዮሓ. 6፥54-57)
• ኣብ መወዳእታ ዘመን (ዳግም ምጽኣት) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብርን ምስጋናን ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ ፡ ኵሎም እቶም ዝሞቱ ሰባት ኪትንሥኡ ምዃኖም፣ “እቶም ሠናይ ዝገበሩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት፡ ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ዘለዓለም ኵነኔ (ገሃነመ እሳት) ኪኸዱ ምዃኖም” ትኣምንን ተእምንን። (ማቴ. 24፥24-33 ፡ 25፥46)
• ንምእመናን መንፈሳዊ ጸጋ ዜውህብ ኣገልግሎት እትህበሉ ሾብዓተ ምሥጢራት እዞም ዝስዕቡ’ዮም ፦
• ብጥምቀት፦ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንን ኣብ ሓድሽ ሕይወት ምንባርን ትህብ (ዮሓ. 3፥3-8)፣
• ብሜሮን፦ መንፈሳዊ ዕቤትን ጽንዓትን ተኅድር (ሉቃ. 1፥80)፣
• ብቍርባን፦ ኅድገት ኃጢኣት ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ተውህብ (ዮሓ. 6፥52-58)፣
• ብክህነት፦ ናይ ምምሃርን ምጥማቕን ምቕዳስን ኃጢኣት ምስትሥራይን መንፈሳዊ ሥልጣንን ትህብ (ዮሓ. 20፥23)፣
• ብንስሓ፦ ኅድገት ኃጢኣትን ምሕዳስ ሕይወትን ትህብ (ግብ.ሓዋ. 3፥19-21)፣
• ብተክሊል፦ ጽንዓት ቃል ኪዳንን ናብራ ቅድስናን ተኅድር (ሚል. 2፥14-16፣ ኤፌ. 5፥21-33፣ ማቴ. 19፥1-9)፣
• ብቀንዲል፦ ኃይሊ መንፈሳውንን ጥዕናንን ትህብ (ያዕ. 5 ፥14-17፣ ማር. 6፥13)፣
እምበኣር እዞም ፯ተ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ብዚርአ ኣገልግሎት፡ ዘይርአ ጸጋ ዘውህቡ ምዃኖም ትኣምንን ተእምንን።
• ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ መላእኽትን ፡ ነቢያትን፡ ሓዋርያትንን ፡ ሰማዕታትን፡ ጻድቃንን ትኣምን።
(ዮሓ. 2:1-13፣ ሉቃ. 20፥37-39፣ ራእ. 6፥9፣ ዕብ. 12 ፥15፣ ዘፀ. 32፥1-14፣ ማቴ. 10፥40-42)
• ብዛዕባ መንፈሳውያን ሥነ ምግባራት ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ትኣምን ትምህርን፦
࿇ ጸሎት፦
• ናይ ውልቂ ፡ ናይ ሥድራ ቤትን ናይ ማኅበርን ተባሂሉ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል፡
• ኣብ መዓልቲ ፯ተ ጊዜ ይጽለ። ንሱ ኸኣ ነግህ(ንግሆ)፡ ሠለስቱ (ረፋድ 9:00)፡ ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲ)፡ ተስዐቱ (ኣጋ ጊዜ 3:00)፡ ሠርክ(ምሸት)፡ ንዋም(ጊዜ ድቃስ)፡ መንፈቀ ሌሊት(ፍርቂ ለይቲ) እዩ። (መዝ 119፥164)
࿇ ምጽዋት፦ ኅቡእን (ሥውር)፡ ግሉጽን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል።
࿇ ስግደት፦ ናይ ኣምልኾ፡ ናይ ጸጋን ናይ ኣኽብሮትን ተባሂሉ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል።
࿇ ጾም፦ ክልተ ዓይነት ኮይኑ ናይ ውልቂ (ብሕቲ) ጾምን፡ ብትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም ናይ ኣዋጅ ጾምን እዩ። እዞም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ፯ተ እዮም። ንሳቶም ድማ ፦ ጾመ ነቢያት (15 ኅዳር - 28 ታኅሣሥ)፡ ዓርበ-ረቡዕ፡ ገሃድ ድሮ ልደትን ጥምቀትን፡ ጾመ ነነዌ (3 መዓልቲ) ፡ ጾመ ኣርብዓ (55 መዓልቲ)፡ ጾመ ሓዋርያት (ድኅሪ በዓለ 50 ዘሎ ሰኑይ - 5 ሐምለ)፡ ጾመ ፍልሰታ (1 ነሓሰ- 15 ነሓሰ) እዮም።
• በዓላት ዝበሃሉ በዓላት ጐይታ፡ በዓላት እግዝእትነ ድንግል ማርያም፡ በዓላት ቅዱሳን፡ ከምኡ ድማ ቀዳመ-ሰንበት በዓላት እዮም።
• እትግልገለሎም ስብሓታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ሰዓታት ዘመዓልት ወዘሌሊት፡ ጸሎተ ነግህ፡ ያሬዳዊ ማኅሌት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ቅዳሴ፡ ጸሎተ ሠርክ፡ ፍትሓት ጸሎተ ምውታን ።
• “ቅዱሳት” ብዝብል ቅጽል ስም ሂባ፣ ብቀኖና ዝተቐበለቶም መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን(ኣሥራው )፣ ኣዋልድ መጻሕፍትን እዮም።
• እዞም ዝስዕቡ ናይ ምምኅዳር ኣዕማድ ኣለውዋ፦ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መንበረ ፓትርያርክ፡ ሃገረ ስብከት (መንበረ ጵጵስና)፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያንን።
• ብሓሳብ ዲሜጥሮስ ዝተቐመረ ኣቈጻጽራ ዘመን (ካላንደር) ትኽተል።
• ሥነ ጽሑፋ ዓቂባ ዝጸንሐትን እትነብርን ብምዃና፡ ዝጸንሑ ፊደላትን ኣኃዛትን ከየጕደለት ዓቂባ ትነብር።
• እትቅበሎም ጉባኤታት ሠለስተ እዮም ንሳቶም ድማ፦
• ጉባኤ ኒቅያ (325 ዓ.ም.)
• ጉባኤ ቍስጥንጥንያ (381 ዓ.ም.)
• ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.)
• ምስ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ዝበሃላ ምስ ኢትዮጲያ፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ኣርመን፡ ህንዲ (ማላቨር) ኣብ ነገረ መለኮትን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ርክብ ስለዘለዋ ኣብ መንበሮም ምቕዳስን፡ ኣብ መንበራ ክቅድሱን ይከኣል እዩ። ናይ ቍርባን ሓድነትን ናይ ክህነት ቀኖና ሓድነትን ኣለዋ።
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንና ይባርኸልናን ይሓልወልናን!!!
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!
§ 1 ስም ቦታ ምዝገባ
ስም ማኅበር፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ደብረ ገነት ልደታ ቅድስት ድንግል ቤተ ክርስትያን ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን።
ማእከላይ ቦታ ቤ/ጽ ማሕበር ፍራንክፈርት ይኸውን።ኣብ ዝምልከቶ ክፍሊ መመዝገቢ ትካል ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፈርት ውን ይምዝገብ።ኣገልግሎት ስራሕ ማሕበር ንኽልተ ዓመት ይኸውን። ማሕበር ኣብ ካልእ ቦታታት ናይ ጀርመን ጨናፍር ክህልዎ ይኽእል።
§ 2 ዕላማታት ማሕበር
§ 3 ዕላማ ኣብ ተግባር ስራሕ ምውዓል ብዝምልከት
· ባህልን፡ ኣኼባታትን፡ መዝሙር ናይ ቤተ ክርስትያን።
· ንጽጉማትን ሽጉራትን ብናጻ ምግልጋልን ምሕጋዝን።
· ኣብ ቤተ ክርስትያን ምግልጋል ቤተ መቕደስ ምስላም፡ ስርዓተ ቅዳሴ ምኽባር፡ ቅዳሴን ትምህርት ሃይማኖትን ምስትምሃር፡ ንብረት ቤተ ክርስትያን ብስርዓት ምሓዝ፡ ስርዓተ ሞትን ተዝካረ ምውታንን ምኽባር።
· ቃል ወንጌል ምስባኽ፡ ተዋሕዶ ሃይማኖት ምስትምሃርን ምስፍፋሕን። ንኣመንቲ ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ሕግን ሥርዓትን ሃይማኖቶም ንኽሕልው ምጽዓር። መንፈሳዊ እምነትና ብልክዕን ብግቡእን ተረዲእና፡ ነዚ ፍልጠት’ዚ መሰረት ንምግባር ንኣመንቲ ምሉእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ።
· ኣገልግሎት ንሕዝቢ ከም ስብሓታት, ቅዳሴ, ጥምቀት, ንስሓ, ቃል ኪዳን, ኑዛዜ, ቀብሪ ንዝሓመሙን ንዝደኸሙን ምብጻሕ፡ ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ፡ ከምኡ ድማ ንእሱራትን ንጽጉማትን ጸሎትን ሞራል ምሃብን ምብጻሕን ይኸውን።
· መንእሰያትናን ሕጻናትናን ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዘድሊ ሃይማኖታዊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስትምሃር። ኣብ ሃይማኖቶም ክጸንዑ ምጽዓር። ብሃይማኖትን ብሞራልን ክዓብዩን ክመሃሩን ምግባር። ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ክርስትናውን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ምግባር ወዘተ ይኸውን።
§ 4.0 ክብጻሕ ዝድለ መደባት
1. እዚ ማኅበር’ዚ ዝኽተሎ ዕላማ ንረብሓ ማሕበር ጥራሕ ንምግልጋል እዩ; ስለ ዝኾነ ድማ ዘይመኽሰባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ እዚ ማኅበር’ዚናይ ግብሪ (ቀረጽ) ሓገዝ ዝረክብ። ብጠቕላላ ዘይመኽሰባዊ ዕላማ ዝኽተል ማኅበር እዩ።
2. ኣገልገልቲ ማኅበር ብዘይ ክፍሊታዊ ጻማ የገልግሉ።
3. ዕላማ ማኅበርና ብመሰረቱ ንምምዕባል ሃይማኖትናን ማሕበርናን ስለ ዝኾነ ንብረት ማሕበር ብመሰረት ሕጊ ማኅበር ተቐይዱ ይመሓደር።
4. ኣባላት ማኅበር ብናይ ማኅበር ሕጊ ተቐይዶም ብናጻ ንማሕበር ይገልግሉ ይግባእ። ኣባላት ማኅበር ኣባልነቶም ብወለንትኦም ምስ ዝስርዙ ወይ ማኅበር ምስ ዝፈርስ ዝኾነ ዓይነት ምቅሊት ኣይወሃቦምን።
5. ንዝኾነ ሣልሳይ ኣካል ንማሕበር ብዘይምልከት ምኽንያት ገንዘብ ማኅበር ክወሃቦ ኣይፍቀድን። ዓቐን ዘይብሉ ንዝሰርሖ ስራሕ ክኽፈሎ ኣየፈቅድን፡ ዘየዲሊ ሓለፋ ክግበረሉ ኣይግባእን።
6. ሽማግለ ማሕበር ብዘቕረብዎ ቅብሊት ዘውጽእዎ ሕሳብ ግቡእ መረጋገጺ ከቕርብ ይግባእ።
7. ምቕያር ዕላማ ማኅበር ብውሳኔ ምሉእ ኣባላት ማኅበር ብዘጽደቕዎ ውሳኔ ጥራሕ እዩ ዝቕየር፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብጽሑፍ ክሓቱ ይግባእ፡ መልሲ ክወሃቦም ድማ ኣቐዲሞም ክሓቱ ኣሎዎም።
8. ማሕበር ኣባልነቱ ኣብ ናይ ጀርመን ግብረ ሰናይ (DPMV) ከመልክት ኣለዎ።
9. ማሕበር ምስ ዝፈርስ ወይ ድማ ምስ ዝስረዝ ናይ ነጻ ግብሪ (ቀረጽ) ምኻን ምስ ዝሕደግ፡ ንብረት ንማኅበር ሃመር ፎርም
Hammer Forum e.V Caldenhofer Weg 118
59063 Hamm Streuer Nummer 322/5935/0288 ቁጽሪ መዝገብ ይወሃብ።
§ 5.0 ሓገዝቲ መወልቲ ኣባላትን ግብረ ሰናያትን
ሓገዝቲ ወይ መወልቲ ኣባላት ግብረ ሰናያትን ተራ ውልቀሰባት ብዘይ ኣፈላላይ፡ ናይ ዜግነት ዓሌት ሃይማኖት, ጾታ,ፖለቲካ, ወዘተ ወይ’ውን ማኅበራት ነቲ ዕላማታት ናይ ማኅበር ዝድግፉ ክኾኑ ይኽእሉ። ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል የብሎምን። ከም ኩሎም ኣባላት ማኅበር ግን ብዛዕባ ንጥፈታት ወይ ኣበርክቶ ናይ ማኅበር ክፈልጡ መሰል ኣለዎም። ከምኡ’ውን እንተደልዎም ነቲ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻባት ክርእዩ ይኽእሉ ኢዮም።
§ 6. ኣባልነት
1. ኣባላት ማኅበር 18 ዓመት ዝመልኡ፡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎምን፡ ካልኦት ዜጋታት ከምኡ’ውን ስድራ ቤቶም ንሕግታት ማኅበር ዝቕበሉን ዝድግፉን፡ ክኾኑ ኣለዎም። ኣብ መንጎኦም ድማ፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር ይህልዎም።
2. እቶም ኣባላት ዝኾኑ በቲ ናይ ማኅበር ውሳኔታት ውዕላትን ቅዩዳት ይኾኑ።
3. ኣባላት ማኅበር ዕላማታት ማኅበር ንምትግባር ብትግሃት ይንቀሳቐሱ፡ ዝከኣሎም ደገፍ እውን የበርከቱ።
§ 7 ምዝገባ ኣባልነት
1. ኣባልነት ማኅበር ብጽሑፍ ናብ ኣካያዲት ማኅበር ይቕርብ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ፡ ብዛዕባ ምቕባሉን ዘይምቕባሉን ውሳኔ ይወስድ።
2. ኣካያዲት ሽማግሌ ናይ ኣባልነት ካርድን ናይ ማኅበር ቅዋም ብጽሑፍ ናብቲ ሓዲሽ ኣባል ብምስዳድ ኣባልነቱ ተረጋግጸሉ።
3. ኣባልነት ነቲ ክፍሊት ማኅበር ድሕሪ ምኽፋል የረጋግጽ።
§ 8 ምዕጻው (ምውጻእ) ኣባልነት
1. ኣባልነት ብሞት ምስ ዝፍለ
2. ካብ ማኅበር ምውጻእ፡ ብጽሑፍ ናብ ኣካያዲት ሽማግለ ምስ እተቕርብ። እቲ ጽሑፍ ናብ ኣካያዲት ሽማገለ ምስ በጽሔ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝበጽሓሉ ወርሒ ቅቡል ይኸውን፡ እቲ ክፍሊት ድማ ክሳብ ሽዑ ይኽፈል።
3. ምስራዝ ኣባልነት
ሓደ ኣባል ን6ተ ኣዋርሕ ዝኣክል ክፍሊት ማኅበር ምስ ዘይ’ከፍል፡ ድሕሪ ክልተ ጊዜ መጠንቀቕታ ምሃብ ብኣካያዲት ሽማግለ ኣባልነቱ ክስረዝ ይከኣል። ማኅበር ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ ዝቐየሩን፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ደሃይ ዘይገበሩን ካብ ኣባልነት ይወጹ።
4. ምስጓግ ኣብ ምምሕዳር ዝሰርሕ ኣባል
1 ሓደ ኣባል ሒጊ ማኅበር ምስ ዝጥሕስ ወይ’ውን ንረብሓ ናይ ማሕበር ዝሃሲ ከቢድ ነገር ምስ ዝፍጽም ካብ ማኅበር ይስጕግ።
2 ኣካያዲት ሽማግለ ድማ ምኽንያት መስጕግኡ ዝገልጽ ጽሑፍ ብናይ ሓደራ ደብዳቤ ይስደደሉ።
3 ኣብ ማኅበር ሒጊ ወጻኢ ካብ ዘምጽእ ጠባያት ወዘተ,እቲ ኣባል ድማ ኣንጻር ናይ ምስጓግ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙናት ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።
ምርድዳእ ምስ ዘይርከብ ድማ ጉባኤ ይውስኖ።
4 እቲ መስርሕ ናይ ምስጓጉ እንተኻየደ እንከሎ፡ እቲ ኣባል ካብ ኵሉ ስራሓት ናይ ማኅበር ይእለ፡ ስራሕ ማኅበር ክካየድ ኩልኩል እዩ።
§ 9 ኣካላት ማኅበር
ኣካላት ማኅበር እቶም ዝስዕቡ ኢዮም።
n ጉባኤ ማኅበር ምእመናን
n ኣካያዲት ሽማግለ
n ቤተ ክህነት
§ 10 ጉባኤ ማኅበር
1. ኣኼብ ምጽዋዕን ኣተገባብርኡን ወይ ኣፈጻጽምኡን
2. ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት (ጉባኤ) ኣብ ዓመት ብውሕዱ ሓደ ግዜ ይኸውን። ኣካላት ሽማግለ ድማ ቅድሚ ዓርባዕተ (4) ሰሙን ናይ ጉባኤ ዕለት ወይ ቆጸራ ንኣባላት ብጽሑፍ ይዕድም። እቶም ዝዕደሙ ኣብቲ እዋናዊ ማኅበር ዘለው ኣባላት ኢዮም። እቲ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ኣብቲ ኣባል ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ኣድራሻ ይለኣኽ።
3. ሓደ ሲሶ 1/3 ካብ ኣባላት ካብ ሕዝቢ ብጽሑፍ ጉባኤ ክካየድ ኢሎም ምስ ዝሓቱ ኣካያዲት ሽማግለ ካብ ምዱብ ጊዜ ወጻኢ ዝኾነ ክትጽውዕ ትኽእል።
4. ኣብቲ ዝለኣኽ ናይ ምጽዋዕ ደብዳቤ፡ ኣካያዲት ሽማግለ ዕለትን ቦታን ግዜን ከምኡ ውን ንዝርርብ ዝቐርብ ነጥቢታት (ኣጀንዳ) ናይቲ ጉባኤ ክጥቀስ ኣለዎ። ተወሳኺ ነጥብታት’ውን ካብ ጉባኤኛታት ካብቶም ዝተረኽቡ ካብ ½ ንላዕሊ ዝተሰማምዕሉ ይረግእ።
5. ጉባኤ ቅሉዕ ወይ ንዝኾነ ሰብ ክፉት ኣኼባ ኣይኮነን፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ኣባላት ምሉእ መሰል ናይ ብነጻ ምክታዕን ምድማጽን መሰል ዘለዎም እቶም ምዝጉባት ኣባላት ኢዮም። ብስምምዕ ናይ ኣባላት ግን ዘይማኅበርተኛ ክሳተፍ ይከኣል እዩ።
6. ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎ ኣባል ካብ ሠለስተ ወርሒ ንላዕሊ ክፍሊት ማኅበር ግቡኡ ዘማልኤ ሰብ እዩ።
7. ነብሲ ወከፍ ኣባል ሓንቲ ድምጺ ትህልዎ። ብውሕዱ ፍርቂ ኣባላት ማኅበር ምስ ዝርከቡ ጉባኤ ይካየድ፡ ክውስን ውን ይኽእል ንነብሲወከፍ ኣባል ማኅበር ብጽሑፍ፣ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ክጸሓፈሉ ኣለዎ። ምልኣተ ጉባኤ ምስ ዘይርከብ ግን ኣካያዲት ሽማግለ ኣብ ውሽጢ ዓርባዕተ ሰሙናት ካልእ ጉባኤ ክትጽውዕ ትኽእል። በቶም ዝተረኽቡ ኣባላት ድማ ጉባኤ ይካየድ ኣካያዲት ሽማግለ ግን ኣብቲ ናይ ጻውዒት ደብዳቤ ኣቐዲማ ንኣባላት ክትገልጽ ኣለዋ።
ኣብ ነብሲ ወከፍ ጉባኤ ኣስማት ተሳተፍቲ ምምዝጋብን ጸብጻባት ናይቲ ጉባኤ ምሓዝን የድሊ። ኣቐዲምካ ኣብቲ ዝግባእ ጊዜ ዕድመ ምልኣኽ ናይ ምውሳን
ኵነታት ምምዛን ሓደስቲ ኣባላት ምቕባል የዲሊ።እቲ ቅጥዒ ዝወዓለ ኣገባብን ነብሲ ወከፍ ዝተዋህበ ድምጽን ብጺሒትን ኣብ ፖርቶኮል ክተሓዝ ኣሎዎ።
ቅዋም ማኅበር እንድሕሪ ተቐይሩ እቲ ኣገላልጻ ቃላት ብንጹር ክቕመጥ ኣለዎ። እቲ ዝተኻየደ ፕርቶኮል በቶም ነቲ ፕርቶኮል ጉባኤን ዝመርሑ ዝነበሩ ክፍረም ኣለዎ።
8. እቲ ጉባኤ ባዕሉ ውሽጣዊ መምርሒ (ኣጃንዳ) ከውጽእ ይኽእል እዩ።
§ 11 ክፍሊት ኣባልነት
1. ናይ ኣባልነት ክፍሊት ብግባኤ ማኅበር ይውሰን። ናይ ኣባልነት ክፍሊት ኣብ ቍጽሪ ሕሳባት ናይ ማኅበር ናብ ባንክ ይለኣኽ፡ ወይ’ውን ኣብ ካሳ ማኅበር ይኽፈል፡ ቅብሊት
ድማ ይወሃቦ። ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ማለት ክኸፍል ከም ዘይክእል ጸገሙ ወይ ጥርዓኑ፡ ናብ ኣካያዲት ኣካል ማኅበር ብምቕራብ ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ክፍሊት ማኅበር ነጻ ክኽውን ይከኣል ኢዩ።
§ 12 ምልክታ ምቕራብ
1. እቲ ዝቐርብ ምልክታትን (ሕቶታት ርእይቶታት ጥርዓናት) እንተደንጕየ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ጉባኤ ምክያዱ ናብ ኣባላት ብጽሑፍ ክበጽሖም ይግባእ፡ ካብኡ ንደሓር ደንጉዩ ዝቐረበ ምልክታት ኣብ ግምት ኣይኣቱን ኢዩ።
§ 13 ዕማም ወይ ስራሕ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ
1. ጉባኤ እቲ ዝለዓለ ኣካል ማኅበር እዩ፡ እቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ማኅበር ድማ ይውስን። ብዛዕባ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክዕመሙ ዝግብኦም ጉዳያት ይውሰን፡ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታት ማሕበር ወጻኢ ዝኾኑ ዓባይቲ ፕሮጅክትታት መደባትን ይሕንጽጽ።
2. በቶም ኣብ ጉባኤ ዝተመርጹ ተወከልቲ ጉባኤ ኣቢሉ ድማ ብመሰረት ቅዋም ማኅበር ንዝካየድ ስርሓትን ዕላማታትን መድባትን ምምሕዳር ማኅበርን ይከታተል፡ ኣካያዲት ሽማገለ ብውሕዱ ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጸብጻባን ናይ ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕሳባት ገንዘብ ጸብጻባት ናይ ጉባኤ ተቕርብ፡ ጉባኤኛታት ድማ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻባት መርሚሮም የጽድቕዎ።
3. ጉባኤ ኣድላዪ ኮይኑ እንተረኸቦ ነቲ ናይ ሕሳባት ጉዳያት ዝጻርዩ እንተጠለበ 3 ሰባት መርጹ ክምዘዝ ይኽእል።
4. ጉባኤ ንኣካያዲት ሽማግለ ይመርጽ፡ ብጠለብ ናይ ኣባላት ድማ ብዛዕባ ካልኦት ኣካላት ናይ ማሕበር ውሳኔታት ክሓልፍ ይኽእል።
5. ጉባኤ ብዛዕባ ምቅባል ናይቶም ነቲ ማሕበር ዝደጋገፉን ዝሕብሕብዎን ዝምውልዎን ኣባላት ይውሰን።
6. ጉባኤ ብዛዕባ ሓደስቲ ኣባላት ምቕባልን ምንጻግን ወይ’ውን ብዛዕባ ምስጓግ ናይ ዝነበሩ ብኣባላት ይውሰን። እታ ጕባኤ ንዝመጽእ ዓመት ዝኸውን ንድፊ ባጀት ትስልዕ፡ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ናይ ወጻኢታት ዝርዝር ናይ ጉባኤ ተቕርብ።ጉባኤ ብዛዕባ መጠን ክፍሊት ማሕበርን ብዛዕባ ኣጠቃቅማ ገንዘብ ማሕበርን ትውሰን፡ ምምሕዳር ሽማግለ ናይ ዓመት ወጻኢታት ውጥን ተውጽእ።
7. ጉባኤ ብዛዕባ ምምሕያሽ ወይ ምቕያር ቅዋም ወይ’ውን ብዛዕባ ምፍራስ ማሕበር ይውሰን።
§ 14 ምምሕያሽ ቅዋም ወይ ምፍራስ ማሕበር
1. ምምሕያሽ ቅዋም ማኅበር ወይ ምፍራስ ማኅበር ብድምጺ ናይ 2/3 ኣባላት ጉባኤ ይውሰን። ኣብቲ ጉባኤ ግን ብውሕዱ ፍርቂ ኣባላት ማኅበር ክርከቡ ኣለዎም።
2. ብዛዕባ ምምሕያሽ ቅዋም ዝምልከት ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝኾኑ ኣባላት ማኅበር ኣቐዲሙ ብጽሑፍ ምስቲ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ተገሊጽሎም ክጸንሕ ኣለዎ። ከምኡ’ውን እቲ ህልው ቅዋም ማኅበርን እቲ ሓዲሽ ንድፊ ናይ ምምሕይሽ ምስኡ ተታሒዙ ኣቀዲሙ ከቀርበሎም ይግባእ። ጉባኤ በቲ ዝተዋህበ ውሳኔ መሰረት ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ድምጺውሳኔ የሕልፎ፡ ናይቶም ድምጺ ዘይሃቡ ሰባት ኣብ ግምድ ኣይኣቱን ኢዩ። ድምጺ ምሃብ ኢድካ ብምልማል፡ ዝበዝሑ ኣባላት እንተደሊዮም ግን ብስቱር ብወረቐት ይኸውን።
ዓንቀጽ § 15 ኣካያዲት ሽማግለ
1. ኣካያዲት ሰበኻ ጉባኤ (ሽማግለ) ማኅበር ኣብ ጉባኤ ትምረጽ፡ ኣገልግሎት ድማ ንሠለስተ ዓመት ይኸውን፡ ክሳብ ሓዳስ ሽማግለ ትምረጽ ድማ ኣብ ሓላፍነት ትጸንሕ፡ ብሓሙሽተ ሰባት ድማ ትቐውም። ኣቦ ወንበርነታ ድማ ካህን ወይ ዲያቆን ቀዳምነት ዕድል ይወሃቦም። ንሳቶም ድማ ኣብ ሕጸ ክቐርቡ ኣሎዎም።
2. ኣማራርጻ ሽማግለ ኣስማት ናይቶም ሕጹያት ኣብ ሊስታ ብምቕራብ ይኸውን። እቶም ካብ መዋዳድርቶም ዝበዝሕ ድምጺ ዝርከቡ ኣባላት ድማ ይምርጹ።
3. እታ ሽማገለ ብኣቦ ወንበርን ምክትል ኣቦ ወንበርን ዋና ጸሓፍን ተሓዝ ገንዘብ ሓደ ኣባልን ትቐውም፡ ካልኦት ክልተ ቅያር ኣባላት’ውን ክምራጹ ይኽእሉ። ኣማራርጽኦም ካብቶም ኣብ ሊስታ ናይ ምርጫ ዘለው ዝበዝሔ ድምጺ ምስ ዝረኽቡ እዮም።
4. እቶም ሽማግለ ዝወዳደሩ ኣባላት ኣብ ጉባኤ ይርቁሑ፡ ወይ ከኣ ባዕላቶም ንነብሶም ይሓጽዩ።
§ 16 ስራሕ ኣካያዲት ሽማግለ
1. እታ ሽማግለ ነት ስርሓት ናይ ማሕበር ተወሃህድ፡ ከምኡ’ውን እተን ካልኦት ኣካላት ማኅበር ኣብ መንጎኦን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክገብራ ትጽዕር። እታ ምምሕዳር ሽማግለ ነቲ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ማሕበርን ንደገን ትውክሎ። ኣካያዲት ሽማግለ ናይ ማሕበርዊ ጉዳያትን ሓበሬታ ምሃብን ንሓደስቲ ሰባት ምምዝጋብን ምጉስጓስን ሓላፍነት ኣለዋ።
2. ኣካያዲት ሽማግለ ንብረት ማኅበር ተመሓድር።
3. ማኅበር ብመሰረት ምዕራፍ §26 ናይ ጀርመን ሲቪላዊ ሕጊ መሰረት ብኽልተ ኣቦ ወንበራት ማለት ኣቦ ወንበርን ምክትል ኣቦ ወንበርን ካልኦት ሽማግሌታትን ይቐውም።
4. እታ ሽማግለ ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትጽውዕን ተዳሉን።
5. እታ ሽማግለ ስሩዕ ዝኾነ ኣኼባታት ተካይድ።
6. ሽማግሌታት ማኅበር፡ ንማሕበር ከፋልጡን ከላልዩን ዝምድና ክፈጥሩን፡ ግቡኦምን ሓላፍነቶም እዩ።
ዓንቀጽ § 17 ቤት ክርስትያን ዝተፈላለየ ክፍልታት ይህልዎ፡ ማለት
1. ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ
2. ክፍሊ ስብከተ ወንጌል
3. ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት
4. ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ሰንበት
5. ክፍሊ ልምዓትን ዕቤትን
6. ክፍሊ ረድኤት ድኹማትን ጽጉማትን
7. ክፍሊ ገንዘብ
8. ክፍሊ ሕሳብ
9. ክፍሊ ቍጽጽር
10. ክፍሊ ርክባት ውሽጥን ወጻእን ይህልዎ።
ካብ ቍጽሪ 1-4 ዘሎ ብቤተ ክህነት ይመሓደር። ካብ ቍ. 5-10 ዘሎ ድማ ምእመናን ምስ ቤተ ክህነት ኮይኖም ብሓባር የካይድዎ። ነዚ ዘካየድ ምስ ዘይርከብ ብኮሜቴ መልክዕ ተሰርዑ ይካየድ።ነዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ክፍልታት ዘድልዩ ሓለፍቲ ብግብሪ ገቢነቶምን ክእለቶምን፡ ብናይ ስራሕ ልምዶም ዝተመስከረሎም ኮይኖም፡ ብተወሳኺ ከም ናይቲ ክፍሊ ዓይነት ሥራሕ ክእለቶም እናተራእየ ብቐዋሚ ኣገልግሎት ከም ዝምደቡ ይግበር።
መምዘኒ ቤተ ክህነት
1. መደበኛ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ዝኾኑ
2. ካብ ስኽራን, ካብ ፍቕሪ ገንዘብ, ካብ ትዕቢት, ካብ ተንኮል, ካብ ውዲት ሻራን ዝረሓቑ, ግብረ ገብነቶም ዝተመስከረሎም። ካብ ገበን ነጻ ዝኾኑ፣ብጉድለታት ዘይሕተቱ።
3. ንኣገልሎት ቤተ ክርስትያን ዝነቕሑ፡ ብስብከተ ወንጌል ዚተግሁ።
4 ንጥፈታቶምን ተገዳስነቶንም ብማሕበርን ብቤተ ክርስትያን ዘመስከሩ።
5. ብጉድለት ገንዘብ ተኸሲሶም ብጉባኤ ወይ ብፍርዲ ቤት ዘይተበየነሎም።
6. አባልነቶም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይውሕድ ዝተመዝገቡ።
ዓንቀጽ § 19 መምዘኒ ናይ ተመረጽቲ ምእመናን
1. ሥጋኡን ደሙን ዝተቐበሉ, ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ/ክ ዝኾኑ።
2. ብኣባልነት ዝተመዝገቡ፡ ዝግብኦም ክፍሊት ዝኸፈሉ።
3. ንቤተ ክርስትያን ዘለዎም ተገዳስነት ብተግባር ዘርኣዩ።
4. ኣተሓሳስበኦም ብፍቕሪ ንዋይ፡ንሥጋዊ ጥቕምን፡ ብዓሌትን ብህርፋን ሥልጣንን ዘይተዓብለሉ
5. ካብ ተንኮል ካብ ሻራ ካብ ስኽራን ካብ ፍቕሪ ንዋይ ዝረሓቑ፡ብግብረ ገቢነቶምን ትሕትናኦም ዝተመስከረሎም።
5. ኣብ ከባቢ ዝነብሩ፡ ዕድሜኦም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ንላዕሊ ዝኾኑ፡ምእመናንን ምእመናትን ይምረጹ።
6. ካብ ትምህርቲ ሰንበት ግና ዕድሚኡ ካብ 18-30 ዓመት ዝኾነ/ት ይምረጽ። ኣብ ምምራጽ ኣባላት ናይ ጾታ ፍልልይ ኣይህልዎን።
ዓንቀጽ § 20 ብዝሕን ቅርጽን መደብን ሓላፍነት
1. ብዝሒ ሰባኻ ጉባኤ ምምሕዳር ኣባላት ካብ ሓሙሽተ ዘይውሕዱ፡ ካብ ሸውዓተ ዘይበዝሑ ምስ ክልተ ተጠባበቅቲ ዝምረጹ ፣ ሠለስተ ካብ ቤተ ክህነት ክኾኑ ከለው፡ ክልተ ድማ ካብ ምእመናን፡ ሓደ ካብ ትምህርቲ ሰንበት ኮይኑ፡ ሻብዓይ ከኣ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ኣቦ ወንበር ካህን ኣመሓዳሪ ይኸውን።
2 ኣመሓዳሪ ኣብ ዘይተሸመሉ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ቀሺ ገበዝ ኣቦ መንበር ኮይኑ ይመርሕ። ምክትል ኣቦ መንበር ብሒጊ እቲ ጉባኤ መሠረት ካብቶም ዝተመርጹ ኣባላት ውሉደ ክህነት ወይ ምእመን ዕድሚኡ ካብ 30 ዓመት ዘይውሕድ ብቑዕ ክእለት ዘለዎ ይምረጽ።
1. ኣቦ ወንበር ካብ ቤተ ክህነት።
2. ምክትል አቦ ወንበር ካብ ቤተ ክህነት / ወይ ምእመን።
3. ዋና ጸሓፊ ቤተ ክህነት/ምእመን።
4. ተሓዝ ገንዘብ ካብ ምእመን።
5. ተሓዚ ንብረት ንዋየ ቅድሳት ዲያቆን ወይ ሃለቃ ።
6. ናይ ትምህርቲ ሰንበት ኃላፊ ካብ ቤተ ክህነት።
7. ማሕበራዊ ጉዳይት ዝከታተል ምእመን።
ዓንቀጽ § 21 ስራሕ ኣቦ ወንበር ማኅበር ኣማሓዳሪ መዝን
1. ኣብ ወንበር ናይ ማኅበር ተጸዋዒ እዩ። በዚ ሒጊ, ዝምልከት ዕላማን ተግባርን ንምፍጻም እቲ ኣማሓዳሪ እዚ ዝስዕብ ተግባር ይህልዎ ኃላፍን ተጸዋዕን ውን ንሱ እዩ።ብዛዕባ ምምሕዳር ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ቤት ክህነት ይመርሕን ይምድብን። ኣብ ውሽጢ እቲ ማኅበር ትምህርቲ ስብከተ ወንጌል ናይ ኣገልግሎት ቤት ትምህርት ሰንበትን ይከታተል። ናይ ግብሪ ሰናይ ማኅበራዊ ጉዳይን ኣገልግሎትን በቲ ዘሎ ሕግን ስርዓትን መሠረት ከም ዝምስረት ብትኽክል ኣብ ስራሕ ከም ዝውዕል ከም ዘስፋሕፍሕን ግቡእ ጻዕሪን ምቍጽጻርን ይገብር። ኣብ ውሽጢ ማኅበር ዝነብሩ ምእመናን ከም ዝምዝገቡን፡ ናይ ጥምቀት ክርስትናን፡ ናይ መርዓ ናይ ምውታን ናይ ኵሉ ኣገልግሎት መዝገብ መዲቡ ይሰርሕ።
2. ናይቲ ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ኣመዳድባ ባጀት ተዳልዩ ናብ ምምሕዳር ቀሪቡ ዝኾነ ይኹን ወጻኢን ኣታዊን ብምእዛዝ ከም ዝሰርሓሉ ይገብር። ሓላፊ ምምሕዳር ስርሓት ማኅበር ኮይኑ ንዝግበሩ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ይመርሕ። ናይ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ኃላፊ መደብ ኣገልግሎት ከም ጥምቀት, ቃል ኪዳን ፍትሓት ቅዳሴ ዝግበረሉ ሰዓትን መዓልትን መደብ የውጽእ። ኣብ ማኅበር ቤ/ክ ዝተገብረሎም ኣገልግሎት ሰባት ይምዝግብ። ግቡእ ምስክር ወረቐት ይህብ። መንፈሳዊ ምዕዶ ይሃብን ምእላይን ሓላፊነት ኣለዎ። ናይ ማኅበር ቤ/ክ ዕላማ ብዝያዳ ከቐድምን ከሰጕምን ክጽዕር ሓላፍነት ኣለዎ።
§ 22 ምክትል አቦ ወንበር
ሀ አቦ ወንበር አብ ዘይህልወሉ እዋን፣ ብመሠረት ቃለ ዓዋዲ መምርሒ ንኣቦ ወንበር ተኪኡ ይመርሕ። እንተድኣ ሥልጣን ክህነት ዘይብሉ፣ ብጀካ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት፣ ናይ አቦ ወንበር ተግባር ይፍጽም።
ለ አቦ ወንበር አብ ዘይህሉ፣ ክሳብ ሓደስቲ ዝምረጹ፣ ግዝያዊ አቦ ወንበር ኮይኑ ይሰርሕ።
ሐ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ይቆጻጸር፣ ምስ ተጸዋዒ ካህን ብምትሕብባር፣ ናይቤተ ክርስትያን ጉዳያት የወሃህድ፣ ምስ አቦ ወንበር ኮይኑ ዓበይቲ በዓላትን ምውዳብን ይነጥፍ።
§ 23 ዋና ጸሓፊ
ሀ ጠቅላላ መዛግብቲ ቤተ ክርስትያን ይዕቅብ። ንደገ ዝለአኹ አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ማኅበር ዘገልገሊ ደብዳቤታትን መምርሕታትን ይጽሕፍን የዋፍርን።
ለ ትኽክል ዝኾነ ሰነድን መዝገብን ይሕዝ። ማሕተም ቤተ ክርስትያን ውን ይዕቅብ። ብሓደ ምስ ኣቦ ወንበር ብእናተራዳድኤ አኼባ ይኹን አድላይ ዛዕባታት የዳሉ። ናይ ኩሎም አባላት አስማት ዝርዝር ይሕዝ።
አቦ ወንበርን ምክትል አቦ ወንበርን አብ ዘይተረኽብሉ ግዜ፣ ከም አቦ ወንበር ኮይኑ ይሰርሕ። ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጽ እ ጽሑፋት ብግቡእ ይስንድ። መዝገብ ድማ ይሕዝ።
ሐ. አብ ቤት ክርስትያን ዝግበር መግለጺታት የዳሉን ይስንድን፣ ብግቡእ ድማ ይጽሕፍ።
መ. ዝርዝር ዛዕባ ጉባኤን ምዱብ አኼባ ቤተ ክርስትያንን ማኅበርን፣ ከም ኡ ውን አኼባታት ሰበኻ ጉባኤን ይምዝግብ።
ሠ. መፍትሕ ፓስት ሳጹን ይ ዕቅብ፣ ዝመጽ እን ዝስደድን ደብዳቤታት ሓቤረታን ፣ ን ኣቦ ወንበር የቅርብ።ብዘይ አቦ ወንበር ፍቃድ ፖስት ክኸፍድ አይፍቀዶን።
§ 24 ተሓዝ ገንዘብ
ተሓዝ ገንዘብ ናይ ቤተ ክርስትያን ግቡእ ፋይናንሳዊ ዝርዝር ንብረትን ናይ ቤ/ክ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎ። ዝኣቱን ዝወጽእን ብግቡእ ጸብጻብ ይሕዝ። ቅብሊትን ክፍልትን ሰነዳት ብጥንቃቐ ይዕቅብ። ብዛዕባ ኣታዊን ወጻኢን ገንዘብ ምስ ኵሎም ሰበኻ ጉባኤ ብሓባር ይሰርሕን ይማኸርን።
§ 25 ሓላፍነት ኣካያዲት ሽማግለ
1 ኣካያዲት ሽማግለ ሓላፍነታ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ምክትታልን ስራሓትን ዕላማታትን ማሕበርን ከምኡ’ውን ነቲ ውሳኔታት ማሕበር ኣብ ግብሪ ንምትርጓምን ይሰርሕ። ኣባላት ማሕበር ብግቡእ ምእላይን ምስኣቶም ርክባት ምድልዳልን ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለወን ማኅበራትን ውልቀ ሰባትን ርክባት ንምግባር ይሰርሕ።
ኣካያዲት ሽማግሌ ብጉባኤ ምስ ተመርጸት ኣብቲ ቀዳማይ ኣኼባኣ ንኣቦ ወንበርን ተሓዝ ገንዘብን ከምኡ’ውን ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ብናይ ውሽጣዊ ስምምዕ ብምምራጽ በብቦትኦም ይሕዙ። ብድሕሪኡ ኣብ መዝገብ ማኅበር ይሰፍር። ኣብቲ ፕሮቶኮል ናይ ጉባኤ ኣትዩ ድማ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መመዝገቢ መንግስቲ ይለኣኽ።
§ 26. ተሓጋገዝቲ / መወልቲ ኣካላት
1. ዕማም / ፍሉይ ስራሕ ተሓጋገዝቲ ኣባላት ማሕበር ከም ፍሉያት ኣማኸርትን ተሓጋገዝትን ኮይኖም የገልግሉ። ብስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ርእይቶታትን እናቅረቡ ዕላማታት ማኅበር ብግቡእን ብሒጋዊ መንገድን ከም ዝጐዓዙ ይገብሩ። ርክባት እውን ይፈጥሩ፡ ንሳቶም ነታ ኣካያዲት ኣካል ይኹን ወይ’ውን ነቲ ጉባኤ ዝኸውን ናይ ፕሮጀክት መደባት ወይ ምኽሪ ከበርክቱ መሰል ኣለዎም።
እዚ ሒጊ,ዚ ኣብ መጻኢ ምስ ኵነታቱ ከመሓይሽን ክዝረዝን ይከኣል እዪ።
እዚ ሕጊ.ዚ ምስቲ ዝነበረ ብዕለት 17.03.2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣማይን ጸዲቑ።
ስም ስም
1. መራሕ ጉባኤ 2. ጸሓፊ በርተኮል
ቀሺ ኣሮን ቀሺ ክፍለ ትንሣኤብርሃን ገ/ሥላሴ
ክታም ክታም
9